Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መሃልየ 1:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ኣታ ፍቱወይ! ክንደይ ትፅብቕ! ክንደይከ ትምልክዕ! ዓራትና ድማ ልምሉም እዩ።

Ver Capítulo Copiar




መሃልየ 1:16
13 Referencias Cruzadas  

ብቐደሙውን፥ ብመዓልቲ ሓይሊ ብቅዱሳን ብርሃን፥ ቅድሚ ኮኸብ ፅባሕ ካብ ከርሲ ወለድኩኻ።


ፅባቐኻ ኻብ ደቂ ሰብ ይምልክዕ፤ ሞገስ ብኸናፍርካ ወሓዘ፤ ስለዙይ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኸካ።


ኣቲ ፍቕርተይ፥ ፅብቕቲ ኢኺ! እንሆ ንስኺ ቘንጆ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኸም ርግቢታት እየን።


ከምኡ ፍቱወይ ኣብ ማእኸል ኣወዳት እዩ፤ ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ምልዖ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤ ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤


ፍቱወይ ንሜዳቝን ርሕዶ ዋልያን ይመስል፤ እንሆ፥ ድሕሪ ግድግዳ ገዛ ደው ኢሉ ብመስኮት ይርኢ፥ ብዓይኒ ርግቢውን፥ ናብ ውሽጢ ይጥምት ኣሎ።


እንሆ፥ ዓራት ሰሎሞን፤ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጀጋኑ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ እዮም።


ኣነ ደቂሰ እየ፤ ልበይ ግና ነቒሑ እዩ፤ ድምፂ ፍቱወይ እዩ፤ ንሱውን ማዕፆ ይዅሕዅሕ ኣሎ። “እቲ ርእሰይ ጠሊ፥ ጐተናይ ከዓ፥ ኣውሊ ለይቲ ጠልቅዩ እዩ እሞ፥ ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርተይ፥ ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ክፈትለይ።”


ንፍቱወይ ክኸፍተሉ ተሳእኹ፤ ኣእዳወይ ከርበ፥ ኣፃብዕተይ ድማ፥ ፈሳሲ ኸርበ ኣብቲ መሸጐሪ ማዕፆ ኣንጠብጠቡ።


ኣቲ ፍቕርተይ፥ ክንደይ ትፅብቒ! ክንደይከ ተሐጕስን ትፍተውን!


ሕያዋይነቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ! ፅባቐኡኸ ኸምይ ዓብዪ እዩ! እኽሊ ነጕባዝ፥ ወይኒ እውን ንቘናጁ የለምልም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios