11 ንሕናውን ጐባጉብ ብሩር ዘለዎ፥ ሽልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።
እግዚኣብሄር ከዓ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፥ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ” በለ።
እግዚኣብሄር ብህዝቡ ተሓጕሱ እዩሞ፥ ንየዋሃን ብምድሓኑ ልዕል ልዕል የብሎም እዩሞ።
ምዕጕርትኺ ብቐለበት ወርቂ፥ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ዘጌፀ እዩ።
ንጉስ ኣብ ማእዱ እንተሎ፥ ናርዶሰይ መዓዛኡ ሃበ፤
ንሳ ቕፅሪ እንተ ኾነት፥ ኣብ ልዕሊኣ ግንቢ ብሩር ክንሰርሐላ ኢና፥ ኣፍ ደገ እንተ ኾነት ከዓ፥ ብፅሩብ ፅሕዲ ኽንከባ ኢና።
ቀለበት ኣብ ኣፍንጫኺ፥ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፥ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ።
ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።