8 እቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ከዓ ንቦኤዝ “ንስኻ ዓድጎ” በሎ፤ ሳእኑውን ኣውፅአ።
እታ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት ናብኡ ትቕረብ፤ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውፅእ፤ ናብ ገፁ እውን እንትፍ ትበለሉ፤ ‘ገዛ ሓዉ ንዘይሃንፅ ሰብ ከምዙይ ይግበሮ’ ኢላ ድማ ትዛረብ።
ቀደም ኣብ እስራኤል፥ ኣብ ምውራስን ኣብ ምልዋጥን፥ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ሰብ ሳእኑ ኣውፂኡ ነቲ ብፃዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። በዙይ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።
ቦኤዝ ከዓ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፥ “ንኣቤሜሌክን ንክልዎንን ንመሓሎንን ዝነበረ ዅሉ፥ ካብ ኑሓሚን ከም ዝዓደግክዎ፥ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።