5 ቦኤዝ ድማ “በታ ነታ ግራት ካብ ኑሓሚን እትዕድገላ መዓልቲ፥ እቲ ርስቱ ብስም እቲ ምዉት ምእንቲ ኽፅዋዕ፥ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ እቲ ምዉት ክትወስዳ ኢኻ” በሎ።
ሽዑ ይሁዳ ንኣውናን “ኪድ እሞ ንሰበይቲ ሓውካ ውረሳ፤ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቑመሉ” በሎ።
“መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ እቲ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ሓዉ የእትዋ፤ ንሓዉ ድማ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ኣሎ።
“ኦ መምህር ‘ሰበይቲ ዘላቶ ሓደ ሰብ፥ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ሙሴ ፅሒፉልና ኣሎ።
“እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኽወርሳ እንተ ዘይደለየ፥ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ባይቶ፥ ናብቶም ሹመኛታት ትኺድ፤ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምቛም ኣብዩ፤ እቲ ኸም ሓሙት ዝግብኦ ኽፍፅመለይ ኣይደለየን’ ኢላ ትንገሮም።