4 ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ክትዕድጎ ዝግብአካ ንስኻ ምዃንካ ኸፍልጠካ ሓሰብኩ። ብዘይዝኣኻ ወራሲ የለን፤ ብድሕሬኻ ኸዓ ኣነ እየ እሞ፥ ትዕድጎ እንተ ዄንካ ዓድጎ፤ ዘይትዕድጎ እንተ ዄንካ ግና፥ ክፈልጥ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ክዕድጎ እየ” በለ።
“ኣይፋልካን ጐይታይ፥ ስምዐኒ ደኣ፤ እታ ግራትን፥ እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ደቂ ህዝበይ እናረአዩ እህበካ ኣለኹ፥ ሬሳኻ ቕበር” በሎ።
ኣብ ቅድሚ ደቂ ኬጢን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም በታ በሪ እታ ኸተማ ዝኣትዉ ዝነበሩን፥ ንኣብርሃም ርስቱ ኾነት።
ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ተውሂባ እንተላስ፥ ንስኻ ‘ግራት ብገንዘብ ዓድግ ምስክር ከዓ ሓዘሉ’ በልካኒ።”
ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደኣ ሕሰቡ እምበር፥ ንሓደኳ ኽፉእ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።
ዕላማና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብውን፥ ሰናይ ንምግባር እዩ እሞ።
ሽዑ እቶም ሹመኛታት ከተማ ናብኣቶም ፀዊዖም ይዛረብዎ። ንሱ ኸዓ፥ ‘ክወርሳ ኣይደልን እየ’ ኢሉ እንተ ፀንዐ፥
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።
ኑሓሚን ንሰበይቲ ወዳ “እቲ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘየቋረፀ እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለት። መሊሳ ድማ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ቀረባ ዘመድና እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ዝረድኡናን ዝወርሱናን እዩ” በለታ።
ሕዚ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ኣነ ወራሲኺ እየ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ።
ንሱ ኸዓ “መን ኢኺ?” ኢሉ ጠየቓ። ንሳ ድማ “ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ረዳእን ወራስን ስለ ዝኾንካ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” ኢላ መለሰትሉ።