2 ቦኤዝ ድማ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብ ፀዊዑ “ኣብዙይ ተቐመጡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ተቐመጡ።
ብስም ንጉስ ኣክኣብ መልእኽቲ ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመት፤ ናብቶም ኣብ ከተማ ኢይዝራኤል ምስ ናቡቴ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ለኣኸቶ።
ንጐይታኣ ደስ እንተ ዘየበለቶ፥ ሓራ የውፅኣያ። ስለ ዝጠለማ ናብ ጓና ህዝቢ ኽሸጣ ኣይግብኦን እዩ።
ሰብኣያ ኣብ ባይቶ ኣብ ማእኸል ዓበይቲ ዓዲ እንትቕመጥ ክቡር እዩ።
ኣረጋውያንና ደጊም ኣብ ባይቶ ኣይቕመጡን፤ መንእሰያት ከዓ ድምፂ በገናኦም ሓደጉ።
በዙይ ከዓ ንህዝብን ንሽማግለታትን ንመምህራን ሕግን ኣለዓዓሉ፤ ንሳቶም ድማ መፂኦም ሓዝዎ፤ ናብ መጋባእያውን ኣቕረብዎ።
“እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኽወርሳ እንተ ዘይደለየ፥ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ባይቶ፥ ናብቶም ሹመኛታት ትኺድ፤ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምቛም ኣብዩ፤ እቲ ኸም ሓሙት ዝግብኦ ኽፍፅመለይ ኣይደለየን’ ኢላ ትንገሮም።
ሎሚ ዅልኻትኩም፥ ኣሕሉቕኩም፥ መራሕቲ ነገዳትኩም፥ ዓበይትኹም፥ ሹመኛታትኩም፥ ኵሎም ሰብኡት ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ደቅኹምን ኣንስትኹምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ፈለፅቲ ዕንፀይትኹምን፥ ቀዳሕቲ ማይኩም ዝኾኑ ጓኖትን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም።
ሕዚ ኸዓ ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኽዛረቦም እየ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ ምስክረይ ክኾኑ እዮም።