14 እተን ኣንስቲ ኸዓ ንኑሓሚን “ሎሚ ወራሲ ኣይከልአክን እሞ እግዚኣብሄር ይባረኽ፤ እዝ ቘልዓ እዙይ ድማ ኣብ ኵሉ እስራኤል ስሙ ይፀዋዕ።
ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።
“እቲ ሕያዋይነቱን ተኣማንነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረፀ፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ይመስገን። ንኣይ ከዓ እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መሪሑኒ” ድማ በለ።
መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፥ ወዲውን ወለደት። “ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ” በለት። “ይሁዳ” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ሽዑ ምውላድ ኣቋረፀት።
ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ።
ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።
ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።
ብዅሉ ኣመስግኑ፤ እዙይ ንኣኻትኩም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።