13 ሽዑ ቦኤዝ ንሩት ወሰዳ፤ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣውን ኣተወ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ባረኻ እሞ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት።
እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፥ ሰበይቲ ኣብርሃም፥ ንዅለን እተን ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ዝነበራ ኣንስቲ ማህፀነን ዓፅዩ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄርውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወዮም፤ ክወልዱ ኸም ዝኽእሉ ኸዓ ኾኑ።
ይስሓቅ ድማ፥ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ምእንታኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከዓ ልመናኡ ሰምዖ፤ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።
እግዚኣብሄር ከዓ ልያ ኸም ዝተፀልአት ሪኡ ማህፀና ኸፈተላ፤ ራሄል ግና መኻን ነበረት።
ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንራሄል “ኣነ ውሉድ ክህበክን ክኸልአክን ዝኽእል እግዚኣብሄር ድየ?” በላ።
ኤሳው ዓይኑ ኣልዓለሞ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ረአየ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ፥ “እዚኣቶም ንኣይ ንኣገልጋሊኻ እግዚኣብሄር ብልግስናኡ ዝሃበኒ ውሉድ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።
ንመኻን ኣብ ቤት የንብራ፥ ሕጉስቲ እኖ ቘልዑውን ይገብራ። ሃሌ ሉያ።
እንሆ፥ ውሉድ፥ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዮም፤ ፍረ ማህፀንውን፥ ናቱ ዋጋ እዩ።
ሕዚ ድማ ጓለይ! ኣይትፍርሒ፤ ለባም ሰበይቲ ምዃንኪ ዅሎም ደቂ ዓደይ ስለ ዝፈልጡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ።
ነቶም ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝውለዱ እግዚኣብሄር ይባርኸልካ። ስድራኻ ድማ ኸምቲ ኻብ ይሁዳን ካብ ትእማርን ዝተወልደ ስድራ ፋሬስ ይግበረልካ” በሉ።
ነዝ ህፃንዙይ ክህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ እቲ ዝለመንክዎ ሂቡኒ።
እቶም ፅጉባት ዝነበሩ ጠመዩ፤ እቶም ጥሙያት ዝነበሩ ድማ ፀገቡ፤ እታ መኻን ሸውዓተ ወለደት፤ እታ ብዙሕ ዝወለደት ግና ደኸመት።