1 ቦኤዝ ድማ ናብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ ኾፍ በለ። እንሆ ከዓ፥ እቲ ቦኤዝ ብዛዕባኡ ዝተዛረበሉ ናይ ቀረባ ዘመድ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ ፀዊዑ “ኣግልስ እሞ ቕርብ ኢልካ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ ቕርብ ኢሉ ተቐመጠ።
እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምስ መሰየ ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ምስ ረኣዮም ድማ ኽቕበሎም ተስአ፤ ብገፁ ፍግም ኢሉውን ናብ ምድሪ ሰገደ።
ኤፍሮን ድማ ኣብ ማእኸል ደቂ ኬጢ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ንሱውን ኵሎም እቶም ደቂ ኸተማኡ፥ ደቂ ኬጢ፥ እናሰምዑ ንኣብርሃም፥
ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ባይቶ ኸይዶም፥ ንሰብ እታ ኸተማኣቶም ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎም፦
ኣንጊሁ ተሲኡ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እተእቱ መንገዲ ደው ይብል ነበረ። ኵሉ ጉዳይ ዝነበሮ እሞ ኽፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመፀ ሰብ፥ ኣቤሴሎም ፀዊዑ “ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ?” ኢሉ ይጥይቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እየ” ይብሎ።
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ልብሰ መንግስቶም ለቢሶም ኣብ ዘዙፋኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ።
ናብ በሪ እታ ኸተማ ኽወፅእ እንተለኹ፥ ኣብ ኣደባባይ መንበረይ ከንብር እንተለኹ፥
“ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰማዕነት ኣለኒ ኢለ፤ ንደኽታም ገፊዐዮ እንተ ኾይነ፥
እቶም ኣብ በርታት ዝቕመጡ፥ ብኣይ ይፃወቱ ኣለዉ፤ እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ።
ሰብኣያ ኣብ ባይቶ ኣብ ማእኸል ዓበይቲ ዓዲ እንትቕመጥ ክቡር እዩ።
“ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ፤ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩምውን ንዑ፤ ዓድጉ እሞ ብልዑ። ንዑ፤ ብዘይ ገንዘብ፥ ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ።
ነቲ ውዕሊ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፈ ፊርማይ ኣንበርኩ፤ ምስክር ፀዊዐ ድማ ነቲ ቕርሺ ብሩር ብሚዛን መዘንኩሉ።
ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ነዝ ተሪፉ ዘሎ ቤት ዮሴፍ እንተ ራህርሀሉስ ክፉእ ፅልኡ፤ ሰናይ ከዓ ፍተዉ፤ ኣብ በሪ ባይቶውን ቅኑዕ ፍረዱ።
“ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየሞ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሕዚ ግና ተስኡ! ተስኡ! ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ” ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ኵለን ከተማታትኩም ንነገዳትኩም ፈራዶን ኣሕሉቕን ሹሙ። ንህዝቢ ኸዓ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ።
ሽዑ ነቲ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ነታ ሰበይቲ ኻብ ከተማታትኩም ኣውፂእኹም ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ።
ኣቦኡን እኖኡን ሒዞም ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማኡ ናብ ደገ ባይቶ ይውሰድዎ።
“እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኽወርሳ እንተ ዘይደለየ፥ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ባይቶ፥ ናብቶም ሹመኛታት ትኺድ፤ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምቛም ኣብዩ፤ እቲ ኸም ሓሙት ዝግብኦ ኽፍፅመለይ ኣይደለየን’ ኢላ ትንገሮም።
እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ይህደም፤ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸዓ፥ እቲ ዝገበሮ ነቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ እቲኣ ይንገሮም። ንሳቶም ከዓ ናብታ ኸተማ የእትውዎ፤ ዝቕመጠሉ ቦታ ድማ ይሃብዎ።
ሕዚ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ኣነ ወራሲኺ እየ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ።
ኑሓሚን ከዓ፥ “ቦኤዝ ነዝ ነገርዙይ ሎሚ እንተይፈፀመ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፥ እቲ ነገር ከመይ ከም ዝውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ” በለታ።