9 ንሱ ኸዓ “መን ኢኺ?” ኢሉ ጠየቓ። ንሳ ድማ “ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ረዳእን ወራስን ስለ ዝኾንካ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” ኢላ መለሰትሉ።
“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”
ኑሓሚን ንሰበይቲ ወዳ “እቲ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘየቋረፀ እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለት። መሊሳ ድማ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ቀረባ ዘመድና እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ዝረድኡናን ዝወርሱናን እዩ” በለታ።
ቦኤዝ ከዓ “ኣቲ ጓለይ! ደድሕሪ ሃብታማት ኮነ ድኻታት መናእሰይ ስለ ዘይሰዓብኪ፥ ካብቲ ቐዳማይ ቅንዕናኽስ እቲ ዳሕረዋይ በሊፁ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።
ሕዚ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ኣነ ወራሲኺ እየ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ።
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኸዓ ቦኤዝ ደንጊፁ ተበራበረ፤ ምስ ተገምጠለ ድማ እንሆ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት።
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ክትዕድጎ ዝግብአካ ንስኻ ምዃንካ ኸፍልጠካ ሓሰብኩ። ብዘይዝኣኻ ወራሲ የለን፤ ብድሕሬኻ ኸዓ ኣነ እየ እሞ፥ ትዕድጎ እንተ ዄንካ ዓድጎ፤ ዘይትዕድጎ እንተ ዄንካ ግና፥ ክፈልጥ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ክዕድጎ እየ” በለ።
እቲ ናይ ቀረባ ዘመድውን “ርስተይ ከየባላሹስ ኣይወርሳን እየ። ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ ንስኻ ውረሳ” በሎ።
ሽዑ ንሳ ተሲኣ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፍአት፤ “እኒሀኹ ኣነ ገረዱ፥ ኣእጋር ኣገልገልቲ ጐይታይ ንምሕፃብውን ድልውቲ እየ” በለት።