7 ቦኤዝ በልዐን ሰተየን፥ ደስውን በሎ፤ ኣብ ፀግዒ ዅልሳስ ኽድቅስ ከዓ ኸደ። ሽዑ ሩት ቀስ ኢላ መፂኣ ብወገን እግሩ ቐሊዓ ደቀሰት።
ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ዝነበረ ምግቢ ኸዓ ገግደኦም ኣቕረቡሎም፤ ንብንያም ድማ ሕልፊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረቡሉ። ስለዙይውን ሰትዮም ምስኡ ተሓጐሱ።
ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም።
ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ “ሕዝስ ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ እስራኤል ትገዝእ ዘለኻ? ተስእ፤ እንጀራ ብላዕ፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ።
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ንጉስ፥ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፤ ንምሁማን፥ ንባዛን፥ ንሓርቦናን፥ ንገበታን፥ ንዘቶልታን፥ ንዜታርን፥ ንከርከስን፥ ነቶም ዘገልግልዎ ሸውዓተ ስሉባት ፀውዖም።
ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕስ፤ ዘይቲውን ንገፅ የብርህ፤ እኽሊውን ንብርኪ ሰብ የጠንክር።
ድግስ ንሰሓቕ፥ ወይኒ ኸዓ ንህይወት ደስ የብል፤ ግና ዅሉ ብገንዘብ እዩ ዝዕደግ።
ንሰብ ካብ ዝብላዕን ካብ ዝስተን ካብቲ ብፃዕሩ ምሕጓስን ዝሓሸ ኻልእ ነገር የብሉን፤ እዙይውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ ረአኹ።
ንሰብስ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዝበልፅ የብሉን እዩ እሞ፥ ኣነ ንታሕጓስ ኣመስገንኩ። ስለዙይ በተን እግዚኣብሄር ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃቦ መዓልቲታት ህይወቱ እናፀዓረ ኽሕጐስ ይግብኦ።
ኣምላኽ ግብርኻ ተቐቢልዎ ስለ ዝኾነ፥ ኪድ እንጀራኻ ደስ ኢሉካ ብላዕ፤ ወይንኻውን ብሕጕስ ልቢ ስተ።
እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ።
ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።
ልቦምውን የመና ምስ ተሓጐሰ “ንሶምሶን፥ ኣብ ቅድሜና ኽፃወት ፀውዕዎ” በሉ። ንሶምሶን ከዓ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኑውን ይፃወት ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኣዕምዲ ኸዓ ደው ኣበልዎ።
እቶም ኣጋይሽ ከምዙይ ኢሎም ክሕጐሱ እንተለዉ፥ እንሆ ብዕሉጋት ሰባት እታ ኸተማ፥ ነታ ገዛ ኸበብዋ፤ ነቲ ማዕፆ ብሓይሊ እናወቕዑ ኸዓ ነቲ በዓል ገዛ ሽማግለ ሰብኣይ፥ “ነዝ ኣብ ገዛኻ ኣትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፥ ኣውፅኣዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።
ክልቲኦም ድማ ኮፍ ኢሎም ብሓደ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ ሰብኣይ “በይዛኻ ንሎሚ ለይቲ ተሓጒስካ ሕደር” በሎ።
እቲ ሰብኣይ ምስታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ሓሽከሩን ክኸይድ ምስ ተልዓለ፥ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ “እንሆ፥ እቲ መዓልቲ ኽዓርብ ቀሪቡ እዩሞ ሕደር፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ፅባሕ ድማ ናብ ገዛኻ ኽትከይድ ኣንጊህኹም መንገድኹም ትጅምሩ” በሎ።
ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፥ ከምቲ ሓማታ ዝበለታ ዅሉ ገበረት።
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኸዓ ቦኤዝ ደንጊፁ ተበራበረ፤ ምስ ተገምጠለ ድማ እንሆ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት።