4 ኣበይ ከም ዝድቅስ ፍለጢ፥ ምስ ደቀሰ ኼድኪ ብወገን እግሩ ቐሊዕኺ ደቅሲ ንሱ ኸዓ እትገብርዮ ኽነግረኪ እዩ” በለታ።
ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ።
እምበኣር ተሓፂብክን ሽቱ ተቐቢእኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና ኣይትረአዪዮ።
ሩት ድማ “ዝበልክኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በለታ።