3 እምበኣር ተሓፂብክን ሽቱ ተቐቢእኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና ኣይትረአዪዮ።
ሽዑ ዳዊት ካብ መሬት ተሲኡ፥ ተሓፂቡን ተቐቢኡን፥ ክዳውንቱ ለወጠ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ ኸዓ ሰገደ። ናብ ቤቱ መፂኡውን ዝብላዕ ኣዘዘ፤ ምስ ኣቕረቡሉ ድማ በልዐ።
ኢዮኣብ ድማ ናብ ቴቁሔ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ “በይዛኺ ኸም ዝሓዘንኪ ኹኒ፤ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፤ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፤ ብዝሞተ ሰብ ነዊሕ ዘመን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲውን ኩኒ።
ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤተ መንግስቲ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐሚጡ ነበረ።
ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕስ፤ ዘይቲውን ንገፅ የብርህ፤ እኽሊውን ንብርኪ ሰብ የጠንክር።
ኵልሻዕ ፃዕዳ ተኸደን፤ ርእስኻ ድማ ዘይቲ ተቐባእ።
“ብማይ ሓፀብኩኺ፤ ካብ ደምኪ ኣፅረኹኺ፤ ብዘይቲ ድማ ቐባእኩኺ።
ንስኻ ግና ኽትፀውም እንተለኻ፥ እቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር፥ ከም እትፀውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገፅካውን ተሓፀብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
ሕዚ ኸዓ እቲ ምስተን ኣገልገልቱ ትውዕሊ ዝነበርኪ ቦኤዝስ ቀረባ ዘመድናዶ ኣይኮነን? እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ ብመስአ የዝሩ ኣሎ።
ኣበይ ከም ዝድቅስ ፍለጢ፥ ምስ ደቀሰ ኼድኪ ብወገን እግሩ ቐሊዕኺ ደቅሲ ንሱ ኸዓ እትገብርዮ ኽነግረኪ እዩ” በለታ።