2 ሕዚ ኸዓ እቲ ምስተን ኣገልገልቱ ትውዕሊ ዝነበርኪ ቦኤዝስ ቀረባ ዘመድናዶ ኣይኮነን? እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ ብመስአ የዝሩ ኣሎ።
ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከዓ በፅሑ። ኣብኣ ድማ ንያእቆብ መሪር ብኽያት በኸዩሉ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ሸውዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበረሉ።
ቦኤዝ ዝበሃል ዘመድ ኣቤሜሌክ ሰብኣያ ንኑሓሚን፥ ሃብታምን ፍሉጥን ሰብኣይ ነበረ።
ሽዑ ቦኤዝ ንሩት “ስምዒ እዛ ጓለይ! ነዘን ኣገልገልተይ እናተኸተልኪ ድኣ ቐርሚ እምበር፥ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ።
ኑሓሚን ሓማታ ድማ ንሩት፦ “ጓለይ፥ ፅቡቕ ክኾነልኪ ዕረፍቲዶ ኣይደልየልክን እየ?
እምበኣር ተሓፂብክን ሽቱ ተቐቢእኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና ኣይትረአዪዮ።