11 ሕዚ ድማ ጓለይ! ኣይትፍርሒ፤ ለባም ሰበይቲ ምዃንኪ ዅሎም ደቂ ዓደይ ስለ ዝፈልጡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ።
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።
ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዲ እያ፤ ነውራም ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕፅምቱ ኸም ቍንቁነ እያ።
ለባም ሰበይቲ መን ይረኽባ? ዋጋኣ ኻብ ዝኸበረ ቐይሕ ዕንቊ የመና ዝኸበረት እያ።
ሕዚ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ኣነ ወራሲኺ እየ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ።