10 ቦኤዝ ከዓ “ኣቲ ጓለይ! ደድሕሪ ሃብታማት ኮነ ድኻታት መናእሰይ ስለ ዘይሰዓብኪ፥ ካብቲ ቐዳማይ ቅንዕናኽስ እቲ ዳሕረዋይ በሊፁ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።
ላባ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ፥ ነዓ እቶ! ንምንታይ ኣብ ደገ ደው ትብል? ንኣኻ መዕረፊ፥ ነግማልካ ኸዓ ሰፈር ኣዳሊወልካ ኣለኹ” በሎ።
ኑሓሚን ከዓ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ “ኪዳ፥ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ገዛ እኖታትክን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ምዉታትን ንኣይን ፅቡቕ ዝገበርክናኦ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻትክንውን ፅቡቕ ይግበረልክን።
ቦኤዝ ድማ “እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮን፥ ኣቦኽን እኖኽን ዝተወለድክላ ምድርን ከም ዝሓደግኪ፥ ቀደም ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ኸም ዝመፃእኺ ሰሚዐ እየ።
ኑሓሚን ንሰበይቲ ወዳ “እቲ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘየቋረፀ እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለት። መሊሳ ድማ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ቀረባ ዘመድና እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ዝረድኡናን ዝወርሱናን እዩ” በለታ።
እንሆ ድማ ቦኤዝ ካብ ቤተ ልሔም መፂኡ ነቶም ዓፃዶ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በልዎ።
ንሱ ኸዓ “መን ኢኺ?” ኢሉ ጠየቓ። ንሳ ድማ “ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ረዳእን ወራስን ስለ ዝኾንካ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” ኢላ መለሰትሉ።
ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ፤ እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ እየ” በሎ።