8 ሽዑ ቦኤዝ ንሩት “ስምዒ እዛ ጓለይ! ነዘን ኣገልገልተይ እናተኸተልኪ ድኣ ቐርሚ እምበር፥ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ።
ሓሻኽሩ ግና ቕርብ ኢሎም “ጐይታይ፥ እዝ ነቢይ ከቢድ ነገር እንተ ዝእዝዘካስ፥ ኣይምገበርካዮንዶ ኔርካ? ‘ተሓፀብ እሞ ሕወ’ እንተበለካ ግዳ እንታይ ኣለዎ?” ኢሎም ተዛረብዎ።
እኽልኻ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ ነቲ ደረት ግራትካ ፈፂምካ ኣይትዕፀዶ። ነቲ ቐሪም ዓፂድካ ኣይትቐርም።
እንሆ ኸዓ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ መፃጕዕ ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ኣይዞኻ ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ረአያ እሞ፥ “ኣይዞኺ ጓለይ! እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።
‘ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ፥ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፥ ቀሪምዶ ኽቕርምን ክኣርን በይዛኻ ፍቐደለይ?’ በለትኒ። ሕዚ እያ ቑሩብ ኣብ ፅላል ኣዕሪፋ ዘላ እምበር ንግሆ ምስ መፀት ክሳዕ ሕዚ ደው ኣይበለትን” ኢሉ መለሰ።
ኣበየናይ ግራት ከም ዝዓፅዱ ርኢኺ ደድሕሪኣቶም ሰዓቢ። ነቶም ኣገልገልተይ ከይነኽኡኺ ኣዚዘዮም ኣለኹ። ማይ እንተ ፀምአኪ ድማ ናብቲ እቶም ኣገልገልተይ ቀዲሖም ዝሰትዩሉ ዕትሮታት ኬድኪ ስተዪ” በላ።
ኤሊ ኸዓ ንሳሙኤል “ሳሙኤል ወደይ!” ኢሉ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” በለ።
እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ፀውዖ፤ ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ወደይ፥ ኣነስ ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደቅስ” በሎ።