2 እታ ሞኣባዊት ሩት ድማ ንኑሓሚን “ዝፈቕደለይ በዓል ግራት እንተ ረኸብኩስ ከይደ ኽቕርም” በለታ። ኑሓሚን ከዓ “ጓለይ ኪዲ” በለታ።
እቶም ልኡኻት ከዓ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም “ናብ ሓውካ ኤሳው በፂሕና፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ ሒዙ ኽቕበለካ ይመፅእ ኣሎ” በልዎ።
ቀሪም ወይንኻውን ኣይትቐርም። ነቲ ዝወደቐ ቐሪም ከዓ ኣይትእረዮ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
እኽልኻ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ ነቲ ደረት ግራትካ ፈፂምካ ኣይትዕፀዶ። ነቲ ቐሪም ዓፂድካ ኣይትቐርም።
ዓፂድ ምድሪኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ክሳዕ ወሰን ግራትኩም ኣይትዕፀዱ፤ ንቐሪም እቲ ዕፁድኩም እውን ኣይትእረይዎ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደግዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ንሳ ኸይዳ ናብ ግራት ኣትያ፥ ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ ኽትቅርም ጀመረት። እቲ ግራት ከዓ ናይቲ ዘመድ ኣቤሜሌክ ዝኾነ ቦኤዝ ነበረ።
‘ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ፥ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፥ ቀሪምዶ ኽቕርምን ክኣርን በይዛኻ ፍቐደለይ?’ በለትኒ። ሕዚ እያ ቑሩብ ኣብ ፅላል ኣዕሪፋ ዘላ እምበር ንግሆ ምስ መፀት ክሳዕ ሕዚ ደው ኣይበለትን” ኢሉ መለሰ።
ንሳ ኸዓ “ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለቶ። መንገዳ ኸደት፤ በልዐትውን፤ ድሕሪዙይ ጓሂ ዝብልዎ ኣብ ገፃ ኣይተርኣየን።