19 እታ ሓማታ ኸዓ፥ “ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ? ኣበይከ ሰሪሕኺ? እቲ ዝተቐበለኪ ቡሩኽ ይኹን” በለታ። ንሳ ኸዓ “ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝሰራሕኹ ሰብኣይ ቦኤዝ እዩ” ኢላ ምስ መን ከም ዝሰርሐት ንሓማታ ነገረታ።
ነቲ ኣዕማድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቖሞ። ነቲ የማናይ ዓምዲ ተኺሉ ያቁም ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀጋማይ ዓምዲ ተኺሉ ድማ በለዝ ኢሉ ሰመዮ።
ንድኻን ንምስኪንን ዝሓሊ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመዓልቲ መከራ የድሕኖ።
እግዚኣብሄር ክሕልዎን ህያው ክገብሮን እዩ፤ ንሱ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝምስገን ይገብሮ፤ ናብ ኢድ ፀላእቱውን ኣሕሊፉ ኣይህቦን።
ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።
ሽዑ ንሳ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፤ “ኣነ ጋሻ እንትኸውን ብኣይ ንኽትግደስ ከመይ ኣብ ቅድሜኻ ዕድል ረኸብኩ?” በለቶ።