14 ጊዜ ምሳሕ ምስ ኮነ፥ ቦኤዝ “ናብዙይ ቅረቢ እሞ እንጀራ ቘሪስኪ ኻብዝ መፂፅ ፀብሒ እዙይ እናፀባሕኺ ብልዒ” በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓፃዶ ተቐመጠት፥ ጥቡስ ሸዊት ከዓ ሃባ፤ ንሳ ድማ በልዐት፤ ፀጊባውን ኣትረፈት።
“እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ጠምዩን ደኺሙን ፀሚኡን እዩ ዘሎ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ዓራውትን ሒላባትን ኣቕሓ መሬትን ኣምፅኡ። ከምኡውን ዝብላዕ ስርናይን ስገምን ሕሩጭን ጥቡስ ሸዊትን ኣዳጕራን ብርስንን ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ላሕምን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣምፅኡሎም።
ኣብ ቅድመይ ማእዲ ኣዳለኻለይ፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእተይ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእኻ፤ ፅዋዐይ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ።
ክቡር ሰብ ግና ኽቡር ሓሳብ ይሓስብ፤ ኣብ ክቡር ነገር ከዓ ፀኒዑ ይነብር።
እንጀራኻ ንጥሙይ ክተካፍል፥ ነቶም ዝተሰደዱ ድኻታት ኣብ ቤትካ ኽተእቱ፥ ዕሩቕ እንተ ርኢኻ ኽትከድን፥ ካብ ዘመድ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኮነን?
ኵሎም በሊዖም ፀገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።
ኣብ ገራሁኹም ድማ ንእንስሳኻትኩም ሳዕሪ ኽህብ እየ፤ ክትበልዑን ክትፀግቡንውን ኢኹም።
“ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ፥ እታ ልምዕቲ ምድሪ ስለ ዝሃበኩም፥ ክተመስግንዎ ኢኹም።
ንሳ ኸዓ “ጐይታይ፥ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፥ ንግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ንልቢ ግዝእትኻውን ኣሕጒስካ ኢኻሞ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለት።
ክትቅርም ምስ ተስአት ድማ፥ ቦኤዝ ነቶም ግዙኣቱ፥ “ኣብ ማእኸል እንዳእቲ እኳ እንተ ቐረመት ኣይተሰቅቕዋ፤
ፆይራቶ ከዓ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ሓማታ ድማ ነቲ ዝቐረመቶ ረአየት። ሩት ከዓ ነቲ ኻብ ምሳሕ ዘትረፈቶ ኣውፂኣ ሃበታ።
እሴይ ከዓ ንወዱ ዳዊት “እዝ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ቆሎ እዙይን፥ እዝ ዓሰርተ ሕብስትን ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኣብፅሐሎም።
ሽዑ ኣቢግያ ቐልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጀራን፥ ክልተ ሓርቢ ወይንን፥ ሓሙሽተ ዝተዳለዉ ኣባጊዕን፥ ሓሙሽተ መስፈሪ ጥቡስ ሸዊትን፥ ሚእቲ ጎጎ ዘቢብን፥ ክልተ ሚእቲ ጎጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣፅዓነቶ።