11 ቦኤዝ ድማ “እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮን፥ ኣቦኽን እኖኽን ዝተወለድክላ ምድርን ከም ዝሓደግኪ፥ ቀደም ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ኸም ዝመፃእኺ ሰሚዐ እየ።
እቲ ሪፅጳ ጓል ዮዳሄ፥ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል ዝገበረቶ ኸዓ ንዳዊት ነገርዎ።
ኣቲ ጓለይ፥ ስምዒ፤ ረአዪ፤ እዝንኺ ኸዓ ፅን ኣብሊ፤ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።
ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም፥ ዘለዎ ዅሉ ዘይሓደገ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
ንሳቶም ከዓ ጃልባታቶም ናብ ምድሪ ኣውፂኦም፥ ንዅሉ ሓዲጎም ተኸተልዎ።
ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ምባልዶ ወይ፥ ‘ተሲእኻ ኺድ’ ምባል?
ኑሓሚን ግና “ደቀይ! ንምንታይ ኢኽንከ ምሳይ እትኸዳ? ተመለሳ ደኣ፥ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ?
ሽዑ ንሳ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፤ “ኣነ ጋሻ እንትኸውን ብኣይ ንኽትግደስ ከመይ ኣብ ቅድሜኻ ዕድል ረኸብኩ?” በለቶ።
ነቲ ዝገበርክዮ ፅቡቕ ተግባር እግዚኣብሄር ዋጋኺ ይኽፈልኪ፤ ዓስብኺ ኸዓ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትፅግዒ ኢልኪ መፂእኽዮ ዘለኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ምሉእ ይኹን” በላ።
ቦኤዝ ከዓ “ኣቲ ጓለይ! ደድሕሪ ሃብታማት ኮነ ድኻታት መናእሰይ ስለ ዘይሰዓብኪ፥ ካብቲ ቐዳማይ ቅንዕናኽስ እቲ ዳሕረዋይ በሊፁ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።
እታ እተፍቅረክን ካብ ሸውዓተ ወዲ እትበልፅን ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፥ ንሱ ነፍስኺ ዝሕድስን ኣብ እርጋንኪ ዝምግበኪ ክኸውን እዩ” በላኣ።