9 ንነፍሲ ወከፍክን ኣብ ገገዛ ሰብኣይክን እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ይሃብክን” በለተን። ሽዑ ሰዓመተን፤ ንሳተን ከዓ ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ፤
ንሱ ኸዓ ቐሪቡ ሰዓሞ። ይስሓቅ ድማ ጨና ኽዳኑ ኣጫንዩ፥ ከምዙይ እናበለ መረቖ፦ “እንሆ፥ መዓዛ ወደይ ከም መዓዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ፤
ያእቆብ ድማ ንራሄል ሰዓማ፥ ዓው ኢሉውን በኸየ።
ነወዳተይን ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ዕድል ኣይሃብካንን። ናይ ሰነፍ ስራሕ ኢኻ ዝገበርካ።
ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸዓ እናበኸየ ሰዓሞም። ድሕሪዙይ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ኽዛረቡ ጀመሩ።
ኵላቶም ድማ ብዙሕ በኸዩ፤ ንጳውሎስ ከዓ፥ ብኽሳዱ ሓቝፎም ሰዓምዎ።
“ኣይፋልናን፤ ምሳኺ ናብ ህዝብኺ ኽንምለስ ኢና” በላኣ።
ኑሓሚን ከዓ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ “ኪዳ፥ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ገዛ እኖታትክን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ምዉታትን ንኣይን ፅቡቕ ዝገበርክናኦ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻትክንውን ፅቡቕ ይግበረልክን።
ኑሓሚን ሓማታ ድማ ንሩት፦ “ጓለይ፥ ፅቡቕ ክኾነልኪ ዕረፍቲዶ ኣይደልየልክን እየ?