6 ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝተመልከቶም፥ እንጀራውን ከም ዝሃቦም ሰምዐት እሞ፥ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ክትምለስ ተልዓለት።
እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ።
ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥
ንዮሴፍ ከዓ ኸምዙይ እናበለ መረቖ፦ “እቲ ኣቦታተይ፥ ኣብርሃምን ይስሓቅን፥ ዘገልገልዎ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ ይባርኮም።
ዮሴፍ ድማ ንደቂ ያእቆብ፥ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ እሞ፥ ነዕፅምተይ ካብዙይ ከም እትወስድዎ ግበሩ” ኢሉ ኣምሓሎም።
ኣገልገልትኻ ነእማና ፈትዮም እዮምሞ፥ ንመሬታውን ሓዚኖም እዮምሞ።
ንዝፈርሕዎ ምግቢ ይህቦም፤ ንኪዳኑውን ንዘለኣለም ይዝክር።
ንኣረግቶታውን ኣፀቢቐ ኽባርኸን እየ፤ ንድኻታታ ድማ እንጀራ ኸፅግቦም እየ።
ናይ ኵሉ ዓይኒ፥ ንኣኻ ተስፋ ይገብር፤ ንስኻውን ብእዋኑ ምግቦም ትህቦም።
ንዝተበደሉ ዝፈርደሎም፥ ንጥሙያት ምግቢ ዝህቦም ንሱ እዩ። እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም፤
ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ገበረ፤ ብስብሒ ስርናይውን ኣፅገበኪ።
ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ብርግፅ ተመልኪቱኩም እዩ፤ ነቲ ኣብ ግብፂ ዝገፍዑኹም ድማ ሪኡ ኣሎ፤
እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
ካብ ምትላልን ሓሰትን ሓልወኒ፤ ፀጊበ ኸይክሕደካ እሞ ‘እግዚኣብሄር መን እዩ?’ ኸይብል፥ ወይ ደኽየ ኸይሰርቕ እሞ ስምካ፥ ስም ኣምላኸይ ከየፅርፍስ፥ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።”
“ዝናምን በረድን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ፥ እሞ ንምድሪ እውን ከም ዘርውያ፥ ከም ተብቍልን ከም እተፍርን ገይሩ፥ ዘርኢ ንዘራኢ፥ እንጀራ ንተመጋቢ፥ ከም እትህብ እንተይገበረ፥ ናብ ሰማይ ከም ዘይምለስ፥
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ፥ በሎውን፤ እንሆ፥ ኣነ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትፀግቡ ኢኹም፤ ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ መላገፂ ኣይክገብረኩምን እየ።
እቲ ገማግም ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክምልከቶም፥ ምርኮኣቶምውን ክምልሰሎም እዩሞ፥ ኣብኡ ኽጓስዩ እዮም፤ ምሸት ከዓ ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም።
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
“ንህዝቡ ስለ ዝተመልከቶምን ዝተቤዘዎምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
ዘመን ድሕነትኪ ሰኣን ምፍላጥኪ፥ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን፥ ምስ ሓመድ ክሓዋውሱኺ እዮም፤ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይሓድጉልክን እዮም።”
ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ።
እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፥ ንሰናይ ግብርኹም ሪኦም፥ በታ እግዚኣብሄር ዝምልከተላ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸኽብርዎ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣፀብቑ።
መሓሎንን ኬሌዎንን ክልቲኦም ሞቱ። ኑሓሚን ድማ ሰብኣያን ክልቲኦም ደቃን ስለ ዝሞቱ በይና ተረፈት።
ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ከዓ ኻብታ ዝነበረታ ቦታ ወፂኣ ነታ ናብ ምድሪ ይሁዳ እትወስድ መንገዲ ሓዘት።
እግዚኣብሄር ድማ ንሃና ዘከራ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣጓላትን ከዓ ወለደት። ህፃን ሳሙኤል ድማ ንእግዚኣብሄር እናገልገለ ዓበየ።