4 ንሳቶም ከዓ ሓንቲ ዖርፋ ዝስማ፥ ሓንቲ ኸዓ ሩት ዝስማ ሞኣባውያት ኣንስቲ ኣእተዉ። ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብኡ ምስ ተቐመጡ፥
በተን መዓልቲታት እቲኣተን ድማ ኻብ ኣዛጦንን፥ ካብ ኣሞንን፥ ካብ ሞኣብን ኣንስቲ ዘእተዉ ኣይሁድ ረአኹ።
ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥
“ኣሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲ ንዘለኣለምውን እንተ ኾነ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
ኣይትዋሰብዎም፤ ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።
ኣቤሜሌክ ሰብኣይ ኑሓሚን ድማ ሞተ እሞ፥ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት።
መሓሎንን ኬሌዎንን ክልቲኦም ሞቱ። ኑሓሚን ድማ ሰብኣያን ክልቲኦም ደቃን ስለ ዝሞቱ በይና ተረፈት።