22 ኑሓሚን ተመለሰት፤ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ሩት ከዓ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ኣብ ቤተ ልሔም ዝበፅሓሉ ጊዜ መጀመርታ ዓፂድ ስገም ነበረ።
ኣብ ኢድ ገባዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፤ ሸውዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፤ ንሳቶም ክሞቱ እንተለዉ ዓፂድ ስገም ዝጅመረሉ ጊዜ ቐውዒ ነበረ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ዓፂድ ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ካብቲ ቐዳማይ ዓፂድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምፅኡ።
ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበለኩም ከዓ፥ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ።
ሩት ከዓ፥ ዓፂድ ስገምን ዓፂድ ስርናይን ክሳዕ ዝውዳእ፥ ምስተን ኣገልገልቲ ቦኤዝ ኮይና ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።
ንሱ ድማ “ንሳ ምስ ኑሓሚን ካብ ምድሪ ሞኣብ ዝመፀት ሞኣባዊት እያ።