21 ክኸይድ እንተለኹ ምሉእ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና በይነይ መለሰኒ። እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፈሪዱ መከራ ኻብ ኣውረደለይ ስለ ምንታይ ኑሓሚን ትብሉኒ ኣለኹም?” በለቶም።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
ኣብ ልዕለይ ሓደስቲ መሰኻኽር መቖምካለይ፥ ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕኻዮ፤ ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ምወሰኽካለይ።”
“ዝመረረ ነገር ፅሒፍካለይ ኢኻሞ፥ ሓጢኣት ንእስነተይውን ተውርሰኒ ኣለኻ።
ምጭምዳደይ ይምስክረለይ ኣሎ፤ ዕብራነይ ተልዒሉኒ፥ ኣብ ገፀይውን ይምስክረለይ ኣሎ።”
ንሱ መወርወሪ ቐስተይ ኣላሕሊሑ ኣዋሪዱኒ እዩሞ፥ ንሳቶምውን ኣብ ቅድመይ ልጓሞም ፈትሑ።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንሳቶም ክሳዕ ዝዓብዩዶ ኽትፀንሓ ኢኽን? ምእንቲ እዙይከ እንተይተመርዖኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን? ኣይፋልክንን፤ ደቀይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ቀፂዑኒ ኣሎ እሞ፥ ካብ ንኣኻትክንስ ንኣይ ኣዐርዩ ይመርር” በለተን።