2 ስም እቲ ሰብኣይ ኣቤሜሌክ፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኑሓሚን፥ ስም ክልቲኦም ደቁውን መሓሎን ኬሌዎንን ይብሃሉ ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝቕመጡ ኤፍራታውያን ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ ከይዶም ከዓ ኣብኣ ተቐመጡ።
ራሄል ድማ ሞተት። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብታ ሕዚ ቤተልሔም እትበሃል ዘላ ተቐበረት።
“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”
ሓደ ሌዋዊ መንእሰይ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ወሰንተኛ ኾይኑ ምስ ደቂ ይሁዳ ይቕመጥ ነበረ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ሞኣብ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደት። እታ ሃገር ከዓ ሰማንያ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።
ኣቤሜሌክ ሰብኣይ ኑሓሚን ድማ ሞተ እሞ፥ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት።
መሓሎንን ኬሌዎንን ክልቲኦም ሞቱ። ኑሓሚን ድማ ሰብኣያን ክልቲኦም ደቃን ስለ ዝሞቱ በይና ተረፈት።
ቦኤዝ ዝበሃል ዘመድ ኣቤሜሌክ ሰብኣያ ንኑሓሚን፥ ሃብታምን ፍሉጥን ሰብኣይ ነበረ።
ቦኤዝ ከዓ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፥ “ንኣቤሜሌክን ንክልዎንን ንመሓሎንን ዝነበረ ዅሉ፥ ካብ ኑሓሚን ከም ዝዓደግክዎ፥ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።
ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ።
ዳዊት ወዲ እሴይ ኤፍራታዊ ኸዓ፥ በዓል ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። እሴይ ሸሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፤ ብዘመን ሳኦል ከዓ ዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ሰብኣይ ነበረ።
እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ኽዋግኡ ማዕዶ ንማዕዶ ተሰላለፉ።