18 ኑሓሚን፥ ሩት ምስኣ ኽትከይድ ከም ዝቘረፀት ምስ ረአየት፥ ምዝራብ ሓደገት።
ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
ምቕባል ምስ ኣበየና ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ዝፈቐዶ ይኹን” ኢልና ስቕ በልና።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
ክልቲአን ናብ ቤተ ልሔም ተጕዓዛ። ናብ ቤተ ልሔም ምስ ኣተዋ ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ተገሪሙ ብምሉኡ ወፀ። “እዚኣስ እምበርዶ ኑሓሚን እያ” እናበሉ ዋጭ ዋጭ በሉ።