13 ንሳቶም ክሳዕ ዝዓብዩዶ ኽትፀንሓ ኢኽን? ምእንቲ እዙይከ እንተይተመርዖኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን? ኣይፋልክንን፤ ደቀይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ቀፂዑኒ ኣሎ እሞ፥ ካብ ንኣኻትክንስ ንኣይ ኣዐርዩ ይመርር” በለተን።
ሽዑ ይሁዳ፥ ንሴሎም ወዱ ኸም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ ንትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ “ወደይ ሴሎም ክሳዕ ዝዓቢ ኺዲ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ትእማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።
“ኣቱም ፈተውተይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ወቒዓትኒ እያ እሞ፥ ደንግፁለይ! ራህርሁለይ!
ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸቢዳትኒ እያሞ፥ ራሕሰይ ንትኩሳት ሓጋይ ተለወጠ።
ፍላፃታትካ ወጊአናኒ እየንሞ፤ ኢድካውን ኣኽቢድካለይ ኢኻሞ።
ካብ ማእኸል ሰፈር ተቘሪፆም ክሳዕ ዝጠፍኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረት።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ዝመሓሎን፥ ናብ ኵሉ ዝወፅዎ ኢድ እግዚኣብሄር ትኸፍኦም ነበረት፤ ብዙሕ ኸዓ ተጨነቑ።
ደቀይ! ሰብኣይ ከየእቱ ኣሪገ እየ፤ ኪዳ ደኣ ተመለሳ። ተስፋ እንተ ዝህልወኒ፥ አረ ሎሚ ለይቲ እኳ ሰብኣይ እንተ ዘእቱሞ፥ ኣወዳት ከዓ እንተ ዝወልድ፥
ሽዑ መሊሰን ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርፋ ንሓማታ ሰዓመታ፤ ሩት ግና ምስኣ ተፀግዐት።
ክኸይድ እንተለኹ ምሉእ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና በይነይ መለሰኒ። እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፈሪዱ መከራ ኻብ ኣውረደለይ ስለ ምንታይ ኑሓሚን ትብሉኒ ኣለኹም?” በለቶም።
ቅፅዓት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኣ የመና ስለ ዝኸበደ፥ ንዅላ እታ ኸተማውን ፍርሓት ሞት ስለ ዝሓዛ፥ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም “እዝ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቐትለናስ፥ ስደድዎ፤ ናብ ስፍራኡ ኸዓ ይመለስ” በሉ።