1 በቲ መሳፍንቲ ዝገዝኡሉ ዝነበረ ዘመን፥ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ክልተ ደቁን ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ናብ ምድሪ ሞኣብ ክቕመጥ ከደ።
ኣብታ ምድሪ ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብታ ምድሪ ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፥ ኣብራም ኣብኣ ኽቕመጥ ናብ ግብፂ ተሰዲዱ ኸደ።
ከምቲ ቕድም ብዘመን ኣብርሃም ጥሜት ዝነበረ፥ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኮነ። ይስሓቅ ከዓ ናብ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ጌራራ ኸደ።
እቲ ጥሜት ኣብ ከነዓን በርትዐ።
ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ።
ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ ክረአዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ።
ሰልሞን ካልኣይ ወዱ፥ ንቤተ ልሔም ወለደ፤ ሓሬፍ ሳልሳይ ወዱ ኸዓ ኣቦ ቤት ጋዴር እዩ።
ደቂ ሰልሞን፦ ቤተ ልሔም፥ ነጦፋውያን፥ ዓጣሮት ቤት ዮኣብ፥ ፈረቓ መናሕታውያን፥ ፆርዓውያን እዮም።
ምእንትኣቶም ንነገስታት ገሰፀ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጥሜት ኣምፅአ፤ ንዅሉ ሓይሊ እኽሊ ኣጥፍአ።
ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ጨው ገበራ።
ብዛዕባ ድርቂ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ምድሪ የመና ጠሊማ፥ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፥ ኣነ ኸዓ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኹላ፥ ነቲ ምርኩስ እንጀራኣ ድማ እንተ ሰበርኩላ፥ ጥሜት ከዓ እንተ ሰደድኩላ፥ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣፅነትኩላ፥
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን ኣብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰደድኩውን፥
ንሓይሊ ትዕቢትኩም ክሰብሮ እየ፤ ንሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ንምድሪኹም እውን ከም ነሃስ ክገብሮ እየ።
“ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ስኒ ምፅራይ፥ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩምውን እንጀራ ምስኣን ሃብኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”
“ኣብ ግራትኩም ብዙሕ ዘርኢ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ግና ኣንበጣ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ውሑድ ክትእክቡ ኢኹም።
ድሕሪ ዮፍታሔ ኸዓ ኢብፃን በዓል ቤተ ልሔም ንእስራኤል ፈራዲ ኾነ።
ሓደ ሌዋዊ መንእሰይ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ወሰንተኛ ኾይኑ ምስ ደቂ ይሁዳ ይቕመጥ ነበረ።
እቲ ሰብኣይ ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ፥ ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ወፀ። ንቕድሚኡ ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መፀ።