1 ብክርስቶስ ሓቂ ኸም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ፥ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ።
እንተየቋረፅኩ ዅልሻዕ ኣብ ፀሎተይ ከም ዝዝክረኩም፥ እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ፥ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
በዙይ ከዓ ንሳቶም ሕሊናኦም እናመስከረሎም፥ ሓሳቦምውን ሓንሳእ እንትወቕሶም፥ ሓንሳዕውን እንትድግፎም ብምርካቡ፥ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ዝተፅሓፈ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።
ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር።
ብዙሕ ጓህን፥ ዘየቋርፅ ጭንቅን፥ ኣብ ልበይ ኣሎ።
ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።
እቲ ናብ ቆሮንቶስ ዘይምምፃአይ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዝራህራህኹልኩም ከም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
ኣብ ሃገር ኣካይያ፥ እዛ ትምክሕቲ እዚኣ፥ ሓደኳ ኸሕድገኒ ዝኽእል ከም ዘየለ፥ በቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ፥ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
እቲ ንዘለኣለም ቡሩኽ ዝኾነ፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ።
ኣብ ቅድሜኹም፥ ንባዕልትና ኽንከላኸል ዝፀናሕናዶ ይመስለኩም? ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ፍቓድ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ ዘለና፤ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትህነፁ እዩ።
እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ሓሰት ከም ዘይኮነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ።
ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ንዅልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
ብቓል ቅብጥር ወይ እናመኽነና ብስስዐ ተደፋፊእና፥ ከም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ነዙይ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ።
ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
ኣነውን ነዙይ እየ፥ ንኣህዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር፥ ሰባኽን ሃዋርያን ኮይነ ዝተሸምኩ፤ ሓቂ እየ ዝዛረብ እምበር፥ ኣይሕሱን እየ።
ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን፥ ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።