9 ንስኻትኩም ግና፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ብርግፅ ሓዲሩኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብመንፈስ እምበር፥ ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን።
ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ።
እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”
ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና።
እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር።
እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ።
ኣብ ሚስያ ምስ በፅሑ፥ ናብ ቢታንያ ክኸዱ ደለዩ፤ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።
ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና።
እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን።
ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ።
እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና እዩሞ።
ግና ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፤ ኣቐዲሙ ክርስቶስ ተስአ፤ ደሓር ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ እቶም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ክትስኡ እዮም።
ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ከም ዝኾንኩምን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ሓዲሩ ኸም ዘሎንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
እቲ ምስ ጐይታ ሓደ ዝኸውን ግና፥ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።
ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን።
ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ ተመልከቱ፤ ሓደ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፥ ዝኣምን እንተ ሃልዩ፥ ከምቲ ንሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ዝተርድአ፥ ንሕናውን ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾንና፥ ክሓስብ ይግብኦ።
መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።
ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ።
እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።
ንስኻትኩምውን፥ ነቲ ናይ ምድሓንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም።
ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።
ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥
ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥
ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ፥ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።
እቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ፥ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ዝስዕብ ክብሩን፥ ተነቢዩ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን፥ ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ፥ ይምርምሩ ነበሩ።
እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሕሉ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር። እግዚኣብሄር ኣባና ኸም ዝነብር ከዓ፥ በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ኢና እንፈልጥ።
እግዚኣብሄር ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ፥ ንሱውን ኣባና ኸም ዝነብር ንፈልጥ ኢና።
ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።
እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።