8 እቶም ብስጋ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ከሐጕስዎ ኣይኽእሉን።
እንሆ ድማ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ።
ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ እንተ ዘይተወሊዱ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
እቲ ዝለኣኸኒ ምሳይ ኣሎ፤ ኵልሻዕ ደስ ዘብሎ ስለ ዝገብር ድማ፥ ኣብ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በሎም።
ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።
ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና።
ንስኻትኩም ግና፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ብርግፅ ሓዲሩኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብመንፈስ እምበር፥ ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን።
ኣነ ግና ብዘይ ሓሳብ ክትነብሩ ድልየተይ እዩ፤ እቲ ዘይተመርዐወ፥ ከመይ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕሶ፥ ብዛዕባ ጐይታ እዩ ዝሓስብ።
ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ።
ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና።
ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።
ሰናይ ምግባርን፥ ዘለኩም ንኻልኦት ምክፋልን ኣይትረስዑ፤ ከምዙይ ዝበለ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር የሕጕሶ እዩ እሞ።
ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ትእዛዛቱ እንሕሉን፥ ንእኡ ዘሐጕሶ እንገብርን ስለ ዝኾንና ድማ፥ ነቲ ዅሉ እንልምኖ ኻብኡ ኽንቕበል ኢና።