6 ናይ ስጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ ሞት እዩ፤ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና፥ ህይወትን ሰላምን እዩ።
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ፥ ኣባኻ ብዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ።
ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ።
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።
እምበኣር ብእምነት ካብ ፀደቕና፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ኣለና።
ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።
ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ሕጊ፥ ንሓጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ፥ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ፥ ብእኡውን ቀተለኒ።
ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና።
ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም፥ ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ፥ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር፥ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ፤ መንፈስ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን ይማልድ እዩ እሞ።
እቲ ሓሳብ ስጋ፥ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝፃረር እዩ እሞ፥ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ።
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥
እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ።