Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሮሜ 8:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 እቶም ከም ፍቓድ ስጋኦም ዝነብሩ ዅሎም፥ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ። እቶም ከም ፍቓድ መንፈስ ዝነብሩ ግና፥ ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ።

Ver Capítulo Copiar




ሮሜ 8:5
14 Referencias Cruzadas  

ኢየሱስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ እናጠመተ፥ ንጴጥሮስ፥ “ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ኣታ ሰይጣን፥ ካባይ ረሓቕ!” ኢሉ ገሰፆ።


እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ።


ንስኻትኩም ግና፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ብርግፅ ሓዲሩኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብመንፈስ እምበር፥ ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን።


እቶም መሬታውያን ከምቲ መሬታዊ እዮም፤ እቶም ሰማያውያን ድማ፥ ከምቲ ሰማያዊ እዮም።


እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ።


ምንም እኳ ብልማድ ሰብ እንመላለስ እንተ ኾንና፥ ከም ልማድ ሰብ ኣይንዋጋእን።


ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።


ፍረ ብርሃን፥ ኣብ ኵሉ ሰናይን፥ ቅንዕናን ሓቅን እዩ፥ ዝርከብ እሞ።


ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos