3 ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።
ሙሴ ኸዓ ኻብ ነሃስ ተመን ገበረ፤ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ብተመን ዝተነኸሰ ዝኾነ ሰብ ናብቲ ተመን ነሃስ እንተ ጠመተ ይሓዊ ነበረ።
ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ኽንዲ ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።
ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ ሰቐሉ።
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፥ ካልኣይ ጊዜ ፀዊዖም “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃብ፤ ንሕና እዝ ሰብኣይ እዙይ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ” በልዎ።
ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።
ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።
ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፥ ሰናይ ግብርስ የብለይን። ስጋዊ ስለ ዝኾንኩ፥ ፅቡቕ ስራሕ ኣባይ ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
ኣነ ንባዕለይ፥ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ዝኾኑ፥ ርጉም ኮይነ፥ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ።
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
“ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ክንዳና ኸም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ናይ ሕጊ መርገም ተቤዘወና።
እምበኣር ሕጊ፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ተስፋ ይፃረር ድዩ? ፈፂሙ ኣይፃረርን፤ ህያው ክገብር ዝኽእል ሕጊ፥ ተውሂቡ ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ብርግፅ ፅድቂ ብሕጊ ምኾነ ነይሩ።
እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ።
ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ፥ ብሓደ መስዋእቲ፥ ንዘለኣለም ፍፁማን ገይሩዎም እዩሞ።
እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥
ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።