8 ሓጢኣት፥ ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ፤ ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር፥ ክፉእ ትምኒታት ኣለዓዓለለይ።
ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ።
ኣነ መፂአ እንተ ዘይነግሮምስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።
ኣብ ማእኸሎም፥ ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ሪኦምስ፥ ንኣይን ነቦይን ፀልኡና።
ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።
ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዘምፅእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፥ ኣብኡ ምጥሓስ ሕጊ የለን።
ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ።
ሕጊ፥ ንሓጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ፥ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ፥ ብእኡውን ቀተለኒ።
እቲ ሰናይ ድዩ ደኣ፥ ንኣይ ሞት ዘምፅአለይ? ኣይፋሉን፤ ሞት ዘምፅአለይስ፥ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት፥ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ኣምፅአለይ። በዙይ ከዓ እቲ ሓጢኣት፥ ብምኽንያት ትእዛዝ፥ ፍፁም ሓጢኣት ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽግለፅ እዩ።
እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ ዝገብሮ ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
ኣነውን ቀደም ሕጊ እንተይመፀ፥ ህያው ነበርኩ፤ ትእዛዝ ምስ መፀ ግና፥ ሓጢኣት ህያው ኮነ፤ ኣነ ኸዓ ሞትኩ።
ናይ ሞት መውግኢ፥ ሓጢኣት እዩ፤ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ኸዓ፥ ሕጊ እዩ።