7 እንታይ ደኣ ኽንብል? ሕጊ ሓጢኣት እዩ ዲና ኽንብል? ኣይንብልን፤ ብዘይ ሕጊ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ “ዘይገንዘብካ ኣይትመነ” እንተ ዘይብል፥ ንትምኒት ፈፂመ ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።
እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት፥ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቱ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ሰገነቱ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕፀብ እንተላ ረአያ፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ትርኢታ የመና ፅቡቕ ነበረ።
ናይ ኵሉ ስራሕ ፍፃሜ ረአኹ፤ ትእዛዛትካ ግና የመና ሰፊሕ እዩ።
“ቤት ብፃይካ ኣይትመነ። ሰበይቲ ብፃይካ፥ ኣገልጋሊኡ፥ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ፥ ኣድጉ፥ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።”
ገራሁ ይብህጉ፥ ይሕዝዎውን፤ ኣባይቲ ይምነይዎ፥ ይወስድዎውን፤ ንሰብኣይን ንቤቱን፥ ንሰብን ንርስቱን ይምንጥሉ።
ኣነ ግና ዅሉ ንሰበይቲ ሪኡ ዝተመነያ፥ ብልቡ ፈፂሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።
ኣስዒቡውን “ህይወት ሰብ፥ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ” በሎም።
መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ።
ኣነ ኻባኻትኩም ካብ ሓደኳ፥ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ ክዳን ኣይደለኹን።
እቲ “ኣይትዘሙ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ዘይናትካ ኣይትመነ” ዝብል ካልእ ትእዛዛትውን፥ “ንብፃይካ፥ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ እዩ።
ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።
እቲ ኽፍኣትና፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ካብ ኮነ፥ እንታይ ንበል? እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኽቐፅዕ እንተሎኸ፥ ዓማፂ ማለት ድዩ? ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።
እምበኣር እቲ ብስጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም፥ እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና?
ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዘምፅእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፥ ኣብኡ ምጥሓስ ሕጊ የለን።
ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ።
እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤
ሕጊ፥ ንሓጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ፥ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ፥ ብእኡውን ቀተለኒ።
እቲ ሰናይ ድዩ ደኣ፥ ንኣይ ሞት ዘምፅአለይ? ኣይፋሉን፤ ሞት ዘምፅአለይስ፥ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት፥ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ኣምፅአለይ። በዙይ ከዓ እቲ ሓጢኣት፥ ብምኽንያት ትእዛዝ፥ ፍፁም ሓጢኣት ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽግለፅ እዩ።
ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና።
ሓጢኣት፥ ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ፤ ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር፥ ክፉእ ትምኒታት ኣለዓዓለለይ።
ናይ ሞት መውግኢ፥ ሓጢኣት እዩ፤ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ኸዓ፥ ሕጊ እዩ።
ንቅዱሳን ኣይግባእን እዩ እሞ፥ ዝሙት፥ ዝኾነ ዓይነት ርኽሰት፥ ከትሪ ወይ ስስዐ፥ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ።
ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትመነ። ቤት ብፃይካ፥ ግራቱ ወይ ኣገልጋሊኡ ወይ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።
ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ።
ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ፥ ብፍትወት ስጋ ኣይትሸነፉ።
ሕጊ ሙሴ፥ ንሓደኳ ኣብ ፍፃሜ ዘብፅሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሄር እንቐርበሉ፥ ዝበለፀ ተስፋ መፂኡልና ኣሎ።
ካብቲ ዝተዘምተ ሓደ ፅቡቕ ካባ ሰናዖርን ክልተ ኺሎ ግራም ብሩርን ፍርቂ ኺሎ ግራም ዝምዘን ወርቅን ምስ ረአኹ፥ በሃግክዎ እሞ ወሰድክዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ድንኳነይ ኣብ ዘሎ ምድሪ ቤት፥ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ኣሎ” በሎ።