6 ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ፅሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ [ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ክነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ፥ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።
ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ።
ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
እንተየቋረፅኩ ዅልሻዕ ኣብ ፀሎተይ ከም ዝዝክረኩም፥ እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ፥ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ።
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ።
ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ብስጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እዩ። ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ።
ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር?
ሕዚ ግና፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተገዛእኹም፥ ቅድስና ኣፍሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፥ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተስአ፥ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።
ኣሕዋተይ፥ ሕጊ ንዝፈልጡ እየ ዝናገር ዘለኹ እሞ፥ ሕጊ ንሰብ ዝገዝኦ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ጥራሕ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍረ ምእንቲ ኽነፍሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣሕዋተይ ንኻልእ፥ ነቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብናይ ክርስቶስ ስጋ፥ ካብ ሕጊ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም።
ናይታ ብፊደል ዝተፅሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ፥ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን፥ ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሄር እዩ፤ ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ።
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
“ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ክንዳና ኸም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ናይ ሕጊ መርገም ተቤዘወና።
ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ዝጠቕሞ የብሉን።
ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ፥ ልበስዎ።
ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።