3 እምበኣር ሰብኣያ ብህይወቱ እንተሎ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት፥ ዘማዊት እያ እትበሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወፂኣ እያ እሞ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት፥ ዘማዊት ኣይኮነትን።
“ኣይትዘሙ።
ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፥ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዝዘመወ፥ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ይቀተሉ።
ኣነ ግና ብምኽንያት ዝሙት እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ ዘማዊት ይገብራ፤ እቲ ነታ ፍትሕቲ ዘእቱ ድማ፥ ይዝሙ እብለኩም ኣለኹ።
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍረ ምእንቲ ኽነፍሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣሕዋተይ ንኻልእ፥ ነቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብናይ ክርስቶስ ስጋ፥ ካብ ሕጊ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም።
ንሳ ኸዓ “ጐይታይ፥ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፥ ንግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ንልቢ ግዝእትኻውን ኣሕጒስካ ኢኻሞ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለት።