2 ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።
እምበኣር ሰብኣያ ብህይወቱ እንተሎ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት፥ ዘማዊት እያ እትበሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወፂኣ እያ እሞ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት፥ ዘማዊት ኣይኮነትን።
ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ፅሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ [ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ክነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ፥ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና፥ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ፤ ብእግዚኣብሄር ዝኣምን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር።
ሰበይቲ ኣብ ሰብነታ ስልጣን የብላን፤ ስልጣን ንሰብኣያ እዩ እምበር፤ ከምኡውን ሰብኣይ ኣብ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን፤ ስልጣን ንሰበይቱ እዩ እምበር።