16 ኣነ ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብር ግና፥ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ።
እምበኣር እቲ ሕጊ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ትእዛዝውን፥ ቅዱስን ፃድቅን ሰናይን እዩ።
ሕጊ፥ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና፥ ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ሰብ እየ።
ኣብ ውሽጠይ፥ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደስ ይብለኒ እዩ።
ሰብ ንሕጊ፥ ብዝግባእ መንገዲ እንተ ደኣ ፈፂምዎ፥ ሰናይ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና።