12 እምበኣር እቲ ሕጊ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ትእዛዝውን፥ ቅዱስን ፃድቅን ሰናይን እዩ።
“ናብ ልዕሊ እምባ ሲና ወረድካ፤ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ዝኾነ ፍርድታትን ሕግጋትን፥ ፅቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን ከዓ ሃብካዮም።
ስለዙይ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፥ ካብ ፅሩይ ዕንቊ ኣብሊፀ ፈተኹ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ፍርድኻውን ቅኑዕ እዩ።
ቃልካ የመና ፅሩይ እዩ፤ ባርያኻውን ይፈትዎ።
ኵሉ ትእዛዛትካ ፅድቂ እዩ እሞ፥ ኣንደበተይ ቃልካ ተናገረ።
ምእንቲ ክፈርሐካ፥ ንባርያኻ ብቓልካ ኣፅንዓዮ።
ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፤ ብዓመፅ የሳጕጉኒ ኣለዉ እሞ፥ ርድአኒ።
እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ።
እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።
ሕጊ፥ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና፥ ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ሰብ እየ።
ኣነ ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብር ግና፥ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ።
“ኦ ህዝቢ እስራኤል! ሕዚኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈርሕዎ፥ ብዅሉ መንገዱ ኽትመላለሱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኽተፍቅርዎ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ክተገልግልዎ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕግጋትን ክትሕልዉ እንተ ዘይኮይኑስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካባኻትኩም ዝደልዮ እንታይ ኣሎ?
ከምዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዘንብራ ዘለኹ ኵላ ሕጊ ዝበለ ቕኑዕ ሕግጋትን ፍርድታትን ዘለዎ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ?
ሰብ ንሕጊ፥ ብዝግባእ መንገዲ እንተ ደኣ ፈፂምዎ፥ ሰናይ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና።