2 ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር?
ኣብዛ ገዛ እዚኣ ኻባይ ዝስልጥን የለን፤ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፥ ብዘይ ንኣኺ ኻልእ ዝኸልከለኒ ነገር የለን። ከመይ ኢለ ድኣ እዝ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር? ከመይ ኢለኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክገብር?” ኢሉ ኣበያ።
ካብ ትእዛዛትካ ዝተልዓለ ኣስተውዓልኩ፤ ስለዙይ ኵሉ መንገዲ ሓሰት ፀላእኹ።
መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ።
እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።
እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍረ ምእንቲ ኽነፍሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣሕዋተይ ንኻልእ፥ ነቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብናይ ክርስቶስ ስጋ፥ ካብ ሕጊ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም።
ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ፅሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ [ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ክነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ፥ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።
ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ።
ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ።
እምበኣር ካብ ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ምስ ክርስቶስ ሞይትኩም እንተ ዄንኩም፥ ስለ ምንታይ ደኣ ገና ኸም ኣነባብራ ዓለም ትነብሩ? ስለ ምንታይከ ነቲ “ኣይትሓዝ፤ ኣይትጥዓም፤ ኣይትንካእ” ዝብል ሕጊ ትግዝኡ?
ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።
እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም፥ ከምቲ ቐደም፥ ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ክፉእ ድሌትኩም ኣይትግበሩ።
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ስለ ዘሎ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተወለደውን፥ ሓጢኣት ክገብር ኣይኽእልን እዩ።