Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሮሜ 5:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።

Ver Capítulo Copiar




ሮሜ 5:2
43 Referencias Cruzadas  

ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።


ብምኽርኻ መራሕኻኒ፤ ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ።


ሓጥእ ብኽፍኣቱ ይግምጠል፤ ፃድቕ ግና እንተ ሞተ እኳ መዕቘቢ ኣለዎ።


ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።


ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።


ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ።


እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድሕን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ።


ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።


ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።


ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም።


ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ።


ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ።


ንስኻኸ ኣብ ሓሽከር ኻልእ እትፈርድ፥ እንታዋይ ኢኻ? ንሱ እንተ ተስአን እንተ ወደቐን፥ ንጐይታኡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከተስኦ ስለ ዝኽእል ከዓ፥ ክትስእ እዩ።


ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ፥ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ፥ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።


ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ።


ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ።


እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።


እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን።


በዝ ተስፋዙይ ኢና ድሒንና ዘለናሞ። ነቲ ዝረአ ተስፋ ምግባር፥ ተስፋ ኣይኮነን፤ ነቲ ዝሪኦ ተስፋ ዝገብርከ መን ኣሎ?


ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፥ ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፥ ብእኡ ድማ ፀኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ።


ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።


እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።


ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ።


ንሕናውን ብእኡ ብክርስቶስ ብምእማን፥ ብትብዓትን ብእምነትን፥ ምእንቲ ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ክንኽእል እዩ።


ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ።


ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥


ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።


እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።


ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።


ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።


እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።


ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።


ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos