10 ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
እቲ ንጉስ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል፥ ዝቃፀል መስዋእትን ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን ክግበር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ፥ ንዅሉ እስራኤል ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ክኸውን ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረቡ።
ብሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፥ ስለ እቲ ዝበደለን፥ ስለ እቲ ብገርሁ ዝሰሓተን፥ ከምኡ ኽትገብር ኢኻ፤ ነታ ቤትውን ከምኡ ኽትቢዘውዋ ኢኹም።
“ንዓመፅ መወዳእታ ኽግበሮ፥ ሓጢኣት ክፍፀም፥ በደል ንምስትስራይ፥ ዘለኣለማዊ ፅድቂ ኽመፅእ፥ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፥ ቅዱሰ ቅዱሳን ድማ ኽቕባእስ፥ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ሰብዓ ሱባዔ ተመዲቡ ኣሎ።
ደሙ ንስርየት ሓጢኣት ኣብ መቕደስ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝኣቱ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ ኵሉ መስዋእቲ፥ ብሓዊ ይቃፀል እምበር ኣይበላዕ።
ደጊም ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ዓለም ኣይሪአንን እዩ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ክትሪኡኒ ኢኹም፤ ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።
ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ኣነውን ብኣብ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ስጋይ ዝበልዕ፥ ብኣይ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።
ብወገን ወንጌል፥ ምእንታኻትኩም ፀላእቲ እዮም፤ ብወገን ምሕራይ ግና፥ ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም፤
እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።
ንሕና ድኹማት እንተለና፥ ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ፥ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ።
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
እቲ ሓሳብ ስጋ፥ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝፃረር እዩ እሞ፥ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ።
ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና።
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት፥ ነቲ ፅልኢ ደምሰሶ፤ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከዓ፥ ብመስቀሉ ምስ እግዚኣብሄር ኣተዓረቖም።
ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።