7 “እቶም በደሎም ይቕረ ዝተብሃለሎም፥ ሓጢኣቶምውን ዝተሓደገሎም፥ ብፁኣን እዮም።
ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በልካ፤ ኵሉ በደሎምውን ከደንካ።
እንሆ ኸዓ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ መፃጕዕ ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ኣይዞኻ ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሄር ዘፅድቖ ሰብ፥ ብፁእ ከም ዝኾነ ኽዛረብ እንተሎ፥ ከምዙይ ይብል፦