5 ሰብ ሰናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ፥ በቲ ንሓጢኣተኛታት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ፥ ፅድቂ ኾይኑ ይቝፀረሉ እዩ።
እንሆ ነፍሱ ተዓብያ እያ፤ ኣብ ውሽጡውን ቅንዕቲ ኣይኮነትን፤ ፃድቕ ግና ብእምነቱ ብህይወት ይነብር።
ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ።
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።
ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን።
ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።
ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ።
መፅሓፍከ እንታይ ይብል? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑ ድማ ተቘፀረሉ” ይብል።
ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሄር ዘፅድቖ ሰብ፥ ብፁእ ከም ዝኾነ ኽዛረብ እንተሎ፥ ከምዙይ ይብል፦
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።
ነቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀዳሞት ኣቦታትኩም፥ ኣቦ ኣብርሃምን ናኮርን ዝኾነ ታራ እንተይተረፈ፥ ኣብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ይቕመጡ ነበሩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።