4 ነቲ ዝሰርሕ ሰብ፥ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቝፀረሉ እምበር፥ ከም ውህብቶ ኣይኮነን።
ንእግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ዝሃቦ እሞ፥ ዝፍደዮ መን እዩ?
እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን።
በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ።
ስለ ምንታይ ነቲ ፅድቂ ዘይረኽብዎ? ፅድቆም ብስራሕ እምበር፥ ብእምነት ስለ ዘይኮነ እዩ። ኣብቲ እምኒ መዐንቀፊ ድማ ተዓንቀፉ።