2 ኣብርሃም ብስራሑ ፀዲቑ እንተ ዝኸውን፥ ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና፥ ሓንቲ እኳ የብሉን።
ፈርዖን ድማ ንኣብራም ናብኡ ፀዊዑ፥ “እዝ ኣባይ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኻኸ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ?
ፈርዖን ድማ ንሓሻኽሩ ንኣብራም ከፋንውዎ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉ ጥሪቱን ኣፋነውዎም።
ንሱውን “እቶ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝገብርዎ ዘለዉ ኽፉእ ርኽሰት ረአ!” በለኒ።
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘገልግል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣለኹ።
እዙይ ከዓ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ።
ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ?
ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፥ ዝምክሐሉ የብለይን፤ ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ።
ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ፥ ከማና ዀይኖም ምእንቲ ኽርከቡ፥ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ፥ ምእንቲ ምኽንያት ከስእኖም እየ።
ምምካሕ ዝግባእ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
ነቶም ብልቢ ዘሎ ዘይኮነ፥ ብዝረአ ኣፍኣዊ ንዝምክሑ፥ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ብኣና ኽትምክሑ፥ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፥ መሊስና ንባዕልትና ኽንንእድ ኢልና ኣይኮንናን።
እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ፥ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ፥ መፅሓፍ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ።
ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።
ነቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀዳሞት ኣቦታትኩም፥ ኣቦ ኣብርሃምን ናኮርን ዝኾነ ታራ እንተይተረፈ፥ ኣብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ይቕመጡ ነበሩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።